ስነ ስርዓት ምዝገባ ሃፍቲ ኣብ ክልልና ብዕሊ ተጀሚሩ
ላዕለዎት ሰበስልጣን ፈፀምቲ ስራሕ ብ/ክ/መ/ትግራይ ዘለዎም ውልቀ ሃፍቲ ኣመዝጊቦም
ኣብዚ ስነስርዓት ምዝገባ ሃፍቲ ተረኺቦም ዘለዎም ውልቀ ሃፍቲ ዘመዝገቡ:-
መበል 37 ዓመት ልደት ህ.ወ.ሓ.ት ኣመልኪቱ ብቤት ፅሕፈት ህወሓት ዝተውሃበ ውድባዊ መግለፂ
ህዝቢ ትግራይ ኣብ እንግድዑ ተፃዒኑ ካብ ዝነበረ ብሄራዊ ጭቆና ንምንጋፍ፣ ፍትሕን ማዕርነትን ክረክብን ልምዓት ንኽረጋገፅ ኢሉ ብመሪሕ ውድቡ ህወሓት እናተመርሐ ኣንፃር ስርዓት ፋሽሽታዊ ደርግን ካልኦት ድሑራት ሓይልታትን ን17 ዓመታት ብረታዊ ተጋድሎ ከምዘካየደ ዝፍለጥ’ዩ። እዚ ምእንተ ዴሞክራሲ፣ ልምዓትን ማዕርነትን ተባሂሉ ዝተገበረ ቃልሲ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን መስተንክራዊ ፅንዓትን ከቢድ መስዋእትን ከፊሎምሉ እዮም ። ህወሓት ትክክለኛ ህዝባዊ ዕላማን በቢ እዋኑ እናማዕበለ ዝኸደ ቅኑዕ መስመርን ጨቢጡ ቅድመ ግንባር ኮይኑ ንህዝቢ ትግራይ መሪሑን ምስ ካልኦት ዲሞክራሲያዊያን ውድባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ተሓባቢሩ ንስርዓት ፋሽሽታዊ ደርግ ደኳዕኳዕ ኣቢሉ ብምስዓር እቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልሲ ክዛዘምን ብዓወት መሰስ ክብልን ክኢሉ እዩ ።
ስርዓት ሃፀያውያን ብህዝባዊ ናዕቢ ፈሪሱ ብእግሩ ዝተተከአ ውልቀመላኺ ኣምባገነን ስርዓት ደርግ የሰጉሞ ዝነበረ ኢዲሞክራሲያዊ ምምሕዳርን ኣብ ህዝቢ ዘብፀሖ ኣረመኔያዊ ጨፍጫፍን ክፃወሩ ዘይካኣሉ ደቂ ህዘቢ ኣብ ለካቲት ዝወልዑዎ ሽግ ሓርነት ‘11 ለካቲት ቦኽሪ ዕለት ልደት ህወሓት’’ ኣሽሓት ኣለዓኢሉ ኣሽሓት ተጋዲሎምሉ ኣሽሓት ድማ መተካእታ ዘይትርከባ ሓንቲ ሂዎቶም ከፈሎም ነዚ ሒዝናዮ ዘለና ሰላም ኣብቂዖምና። ኣብዛ ዕለት እዚኣ ዝተወለዐ ቃልሲ ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ ሰላም፣ዲሞክራሲን ፍትሕን ብሙሉእነት ንክሰፍን፣ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ሃገርና መሰሎም ተሓልዩ መንነቶም ሕጋዊ ኣፍልጦ ዝረኸበሉን ብተሳትፎ ህዝቢ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ንምህናፅ ዝበቓዕናሉን ዓብዪ ጎደና ሰላምን ልምዓትን ዝፀረግናሉን እዩ ለካቲት።
·